Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ቃል ሓዘን

Awate Team
January 31, 2011
አቶ ፍቓዱ ልጃም: 1958-2011

ቃል ሓዘን

ሓውና ፍቓዱ ልጃም ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ብዕለት 13 ጥሪ 2011 (January 13, 2011 ) ኻብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ፍቕዱ ብተፈጥሮኡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ፈታው ሰብ ፈታው ጽቡቕ ስለዝነበረ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን የጥፍኦ ነበረ። ዝኾነ ሽግር ዘጋጠሞ ሰብ ድማ ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ናብ ፍቓዱ ዘይውከስ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ከኣ ወገን ይኹን ዓለት ከይፈለየ ክእለቱ ንዘፍቀዶ ኩሉ ከይተገበዘ ንኹሉ ህዝቢ ብዘይ ኣዳላው ዝሕግዝ ዝነበረ ብህዝቢ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣዝዩ ፍትው ዝተመስገነ ሰብ ዝነበረ እዩ።  ከምቲ ሰብ ዝፈትዎ ፈጣሪ እውን ስለዝፈተዎ ናብ እዱ ጠርኒፉዎ ኣሎ’ሞ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ እንዳበልና ጸሎትና ነብጽሓሉ።

ፍቓዱ ብዕለት 29 ጥሪ 2011 ኣብ ከረን ኣብ ጎድኒ ወላዲኡ ብዓብይ ክብሪ ናይ ቀብሪ ስነስዓት ተፈጺሙሉ።  

ምስጋና

ብምኽንያት ሞት በዓል ቤተይ (ቃል ኪዳነይ) ፍቓዱ ልጃም ንዝተገብረለይ  ምትሕብባር ፤ ሓገዝን ምጽንናዕን ፤ ካብ ግዜ ሕማሙ ኣትሒዝኩም ናብ ሆስፒታል ይኹን ናብ ገዛ ምስ’ቲ ኩሉ ዕማማትኩምን ናብራኹምን ደኺምና ከይበልኩም ብዘይ ዕረፍቲ እንዳተመላለስኩም ብጉልበትኩም ይኹን ብገንዘብኩም ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትሕቲ እግዝኣብሄር ሂወቱ ንምድሓን ፍሉያት ሽማግለ መዚዝኩም ንዝተጓየኹም ርህሩህን ሰናይን ተግባርኩም ካብ ልቢ የመስግነኩም።

ካብ ርሑቕ መጺእኩም በኣካል ንዝተሳተፍኩም ፤ ብተለፎን እንዳደወልኩም ንዘጻናናዕኩምኒ ፤ ክሳን መወዳእታ ናይ ቀብሩ ስነ ሰርዓት ብጽቡቕ ንኽፍጸም ዝተሓባበርኩምን ዘማዕረኩምን ፈተውትን  ኣሕዋትን ኣሓትን ብስመይን ብስም ቤተሰበይን ኮይነ ሕሱም ኣይትርከቡ ፤ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ኢድኩም ኣብ ጽቡቕ  ተፈደይዎ እንዳበልኩ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ወ/ሮ ሓንጻ ናቡተ  ምስ ጓለይ ጁልያን ፍቓዱን ምስ ኩሎም ቤተሰብ ብሓባር

Eritrean Islamic Congress Clarifies Position
The Olive (AwLi’e) Revolution In Eritrea: A Satire

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services