Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ብዘበን ዉርውራ ከብድኻ ኣይተዕብራ

awatestaff
August 22, 2018

ማህጸን ኣደ ጉራምራ ክበሃል ሓቂ እዩ። እዛ ዓድናስ፡ ብዙሕ ዝባህሪኦም ውሉድ ኣለዉዋ፤ እንኪዓብዩ መልክዖም እንዳቐየሩ ይኸዱ። ገሊኦም ሕንጻይ ፡ገለ መፍለስ ይኾኑ፤ ገለ በጊዕ ገለ ድማ ወኻርያ ይኾኑ። አንተ ህበይ’ኳ – ጌጋ ይኽላኣለይ እምበር- ሓደ ጥራይ’ዩ። መብዛሕትኦም ግን ኣናብስ’ዮም – ሽሕኳ ከም ነፋሒቶ ንግዚኡ ተመሳሲሎም እንተለዉ። ገለስ ይንዕቆም’ኳ። ቀሪቡ ንዝረኣዮም፡ ምስጢሮም ንዝተረድኤ፡ ክሳዕ ዝደልዉ ኣድብዮም’ዮም ዘሎዉ። እዚኦም ኣይነዓቑን’ዮም። ዝነዓቑስ ከም እኒ፡ ወኻሩ፡ ቑርዲድ፡ መፋልስ ዝኣመሰሉ እዮም።

ሕንጻይ መደንገጽ’ዩ፡ እንተ መፍለስ’ሞ ሓደገኛ’ዩ፡ ከይዘጋግለካ ድማ ክትጥንቀቅ እዩ ዝግባእ። መፍለስ ካብቶም ሕሱማት ኣራዊት’ዩ፡ ዓሌቱ ምስዝጽብጸብ መቕረባኡ ድቢ እዩ። ዕድል ‘ተረኺቡ መፍለስ ይትርትረካ፡ መፍለስ ሒንዳ የብሉን።

ካብ መፍለስ ዘይፍለዩ ሰባት እውን ኣሎዉ፤ አረ ገሊኦምሲ ይገዱ’ኳ ይኾኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም እንተጸናሕካ፡ ጢሒሮምኻ ኪኸዱ እዮም ዚደልዩ።

ልክዕ ከምቲ መፍለስ ብዘይንሕስያ ንግራሁን ሕርሻታትን ዜብርስ: ንሶም ከኣ ልክዕ ከምኡ ንዝረኸብዎ ኣየናሕስዩን። ገዛእ ህዝቦም’ኳ እንተኾነ ኣይግድሶምን፡ ንሓዎም ወዲ ሓዎም ከይተረፈውን፡ ብረብሓኦም እንተመጾም ኣየናሕስይሉን እዮም። ነዚ እዩ ኣቦታት ክምስሉ “መፍለስ ኦም ‘ተደየበስ ምሳር ተማላእ” ዝብሉ- ክትጥንቀቕ ከምዘሎካ ከዘኻኽሩ። መፍለስ ብኸብዱ ዝመጾ ኣይፈቱን’ዩ። መፍለስ ኣጽኒዑ ዝሕዞ ዓላማ የብሉን- ብዘይካ ኸብዱ። ዝነገሰ ንጉሱ፡ ዝበረቐት ጸሓይ ጸሓዩ። ሓንሳብ ቅዱስ ጽሑፍ ይጠቅስ፡ ሓንሳብ የጉባዕብዕ፡ ሓንሳብ ይቃወም ሓንሳብ ይድግፍ። ናይ ሂወቱ መምርሒ፡ “ብዘበን ውርውራ፡ [ከብድኻ] ኣይተዕብራ!” እዩ።
ትብዓት፡ ንመፍለስ ኣይበዓልቲ ለይቱን እያ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ‘ኣብ ክንዲ ኻልእ’ ወይ ‘ንወለዶ’ ዝበሃል ነገር ኣይርድኦን’ዩ። መስዋእቲ’ሞ ኣይሓስቦን’ዩ፡ መምሎቒ ምኽንያት ድማ ኣይስእንን። ገለ እዋን ይሕባእ፡ ካልእ ጊዜ ይሃድም፤ እንተ ወሽለኽለኽ ኢሉ፡ እንተ ብሕቡእ ተወዲቡ፡ ብጻዩ ኣግዲዑ ወይ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ናብ ስልጣን ዝድይብ ግን መፍለስ እዩ። ካብ በዓል ጣፍሲ በዓል ኣፍ!

ንመፍለስ፡ ኪዳን፡ ኣሚን፡ ዘመድ፡ ህዝቢ፡ ሃገር፡ ንመገባብሮ ግላዊ ረብሓኡ ዝቖመ ኾይኑ’ዩ ዝስምዖ። ኩሉ ድሕሪ ኸብዱ’ዩ ንመፍለስ። ካብ ከብዱ ወጻኢ፡ ኪዳን የለ፡ ዘመድ የለ፡ ህዝቢ የለ፡ ሃገር የለ። ብሓጺሩ፡ ንመፍለስ፡ ከብዱ’ዩ ኣምላኹ።

መንእሰይ ሃገረይ፡ ካብዚ ቀታሊ ፍልስፍና’ዚ ትመሃሮ ብዙሕ ነገር የሎን። ጠሎም ኣይልከየና፡ ሓድጎም ይመንቆስ።

ነዞም ከምዚ ዝበሉ ዓሌት መፋልስ ናብ ውኖኦም ክትመልሶም ወይ ክትነቕሎም ቀሊል ኣይኮነን፡ ግን ዘይክኣል ጌርና ኣይንውሰዶ። ዘይክኣል ነገር የሎን። ይክኣል’ዩ። ዘሊልካ ኣይትኣትዎን፡ መጽናዕቲ የድሊ፡ ጥንቃቐ የድሊ፡ ልቦና የድሊ፡ ጥበብ የድሊ፡ ልዕሊ ኹሉ ዓቕሊን ትዕግስቲን የድሊ። ታህዋኽ፡ የጉድል’ምበር ኣይውስኽን፡ ኩሉ ይብጻሕ’ዩ። “እግዚኣብሔር ንኹሉ ኣብ ጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ” ዝብል ምህሮ ኣይንረስዕ። ኣምላኽ ወገን እቶም ንፍትሒ ዚጸምኡ እዩ፤ ሓንትስ፡ ብጽኑዕ ግናኸ ሰናይ ዕላማ ንበገስ።

ኣይንጠራጠር፡ መፍለስ ዘመድ ከብዱ እዩ። ገዚፍ ከብዲ’ለዎ፡ ልቦና ምስትውዓል ግና ኣይተዓደለን፡ ኣብ ኣካላቱ ዘሎዉ ኩሎም ጭዋዳታት ኣብ ምምእራርን ምሕቃቕን መግቢ እዮም ዝዋፈሩ፡ ኣርሒቑ ኣይርእይን፡ ሕልናኡ ኣይዃኽዮን፡ ኣዚሩ ኣይሓስብን – ርእሱ ባዶ’ዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ጥፍኣት ብኡኡ እዩ ዝመጾ። እንዳቛረፈ ናብ ማሕረዲ ይኣቱ።

ይንዋሕ ይሕጸር፡ ካብቲ ብኸብዱ ዝግዛእ መፍለስ፡ ብኣእምሮኡ ዚሓስብ፡ ንሕልናኡ ድማ ዝግዛእ ሰብ ይኸብር፡ ይስዕር ድማ።
ስለዚ እቲ ዘመድ ከብዱ መፍለስ፡ ብዛዕባ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ፡ ብሰሪ ኸብዶም ድማ ናብ ማሕረዲ ዘምርሑ መፋልስ ክንገሮ ይግባእ። መፈጸምታ እዚ መገዱ ፈሊጡ ኪፈርህ ይግባእ።

ኦ መፍለስ፡ ነባሪ ስርዓት ወይ ነባሪ መንግስቲ የለን እሞ፡ ካብ ብኸብድኻ ንሕልናኻ ትሸይጥ፡ ነታ ሓቂ ደው በል። እቲምንታይሲ፡ እቲ ንርእሱ (ብኸብዱ) ዝሓብኣ ንሱ እዩ እቲ ዘጥፍኣ። እቲ ንርእሱ ምእንቲ ክቡር ዕላማ ዚህባ ግና፡ ንሱ ኪረኽባ እዩ።

ንመፍለስ ኣንበሳን ነብሪ ጫካን ይሕንሕኑልካ’ሎዉ በልዎ።

ብፈቃደ ደራሲ ዝተሓትመ
Image courtesy of Magda Ehlers

Leaked List of PFDJ Diaspora Task Force
Good Governance and The Challenges of Eritrean Cultural Diversity

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services