Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ስቕታ፡ ኣብ ምስላ ኣብ ያታ

Haile S.
July 23, 2023

ስቕ መሪጽና
ተግባር መራሕትና
ናይ ሎሚ መለዓሊ ዘረባና

ኣብ ሙሉእ ዓለምና
ብሕልፊ ኣብ ኤርትራና

ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ይምጎስ ይፍቶ ስቕተኛ

ንህቦ ንስቕታ ዓቢ ክብረት
ይቑጸር ዝበለጸ ልዕሊ ንብረት

ናይ ስቕታ ልዕልና ንምጉላሕ
ምስላኡ ንምጥቃም ንብል ላሕ

ንጥቀም ብዝሕ ዝበሉ ኣበሃህላ
ምስላ ነእቱ ኣብ ብዙሕ ዘረባ ክኢላ

በሉ ምስ ገለ ምስላ፡ እስኪ ንግበር ሌላ፤

“ስቕ ጥዑም”
ዋላ እንዳ ኣእተወና ኣብ ህጉም

ስቕ መቐረታ ከም ጥዕምቶ
አፍ ተዕጹ እንዳሃለወካ ትሕዝቶ
ክትወጽእ ዝግባእ ትብለካ እቶ እቶ
ስማዕ ጥራይ፣ ሓቢጥካ ከለኻ ብሕቶ

“ስቕ ዝበለ ካብ መዓት ገለለ”
ንግዚኡ ይመስሎ ዝኸደ ዘታለለ
ክሳብ መዓት ዘርክቦ እንዳዘለለ
ስቕ’ሲ ተዛራቢ እንዳሃሎ እንዓብለለ?

“ስቕ ዝበለ ኣፍ፡ ዝምቢ ኣይኣትዎ”
ወይ አደራዕ፡ ከመይ ዝበልዎ!
ፈለማ ሃመማ አብ አፍ እንታይ አእተዎ
ግና አይተርፍን ብስቕታ ኣፍ ምስ ጨነዎ!

“ዘረባን ስኣን ስቕ” (ሓርጭኒ ስኣን ውስኽ)
ሓደ ሓጥእ፣ ሓደ ጻድቕ
ሓደ ተራ፣ ሓደ ሊቕ

ምስኪናይ ዘረባ ከም ሕማቕ ተቆጺሩ
ክውቀስ ይነብር ንስቕታ ከመጉስ ክብሩ

ሓርጭ ተወሰኸ ከም መሰነይታ
የባእስ ዶ ንምባል ይኸወን ንሃልሃልታ?

“ስቕ ዝበለን ይርሓስ ዝበለን ሓደ”
ወይ ኣነ ዕደ!
ከመይ ቢሉ?
ንዑ’ባ ዓገብ በሉ
መን ሰሚዕዎ አይፋሉ
መን ፈለጦ ኣብ ስቕታ ዘሎ ኣሉ!

“ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ”
ዘፍርህ ካይበለ ብጭቕ
አኪቡ ሎኲቱ አብ ሳንዱቕ
ዝርአ እንተዝኸውን አቢልካ ፍቕቕ

ምሓሸ ሰቕሳቑ እንተዝዛረቦ
ገና ካይኣሾኸ እንከሎ ዒልቦ

“ሰቕ ምባል ዳርጋ ወርቂ፡ ጽቡቕ ምዝራብ ዳርጋ ጽድቂ”
ብግልባጡ ምሓሸኒ፡ ብኡነት ናይ ብሓቂ
ሰቕ ምባል ዳርጋ ጽድቂ፡ ጽቡቕ ምዝራብ ዳርጋ ወርቂ

ብብዝሒ ዝዝውተሩ ስቕታ ዘመጉሱ
ውሑዳት’ውን ኣለዉ ንስቕታ ዝወቕሱ

“ስቕ ዝበለ ጎራሕ ይመስል
ንብላዕ ዝበለ ህሩፍ ይመስል”

ኣብዚ እንሃልኩም ምስላ
ግልጺ ቃል-ዓለም ዘይብላ

ዝተዛረበ ይረክብ ሞሳ
ዘስቐጠ ይመስል ሬሳ

“ስቕ ምስበለ እንድዮም ዝቐበርዎ”
ዋአ! ትንፋሱ ‘ተሓቢኡ ድኣ፡ እንታይ ክገብርዎ!

ዝኾነ ኮይኑ፣ ንኤርትራ ተኻናኸኑ

እንታይ እዩ ዘሎ ዘዛርበና
መንግስቲ ኤርትራ፡ ስለ ዘብዘሖ ስቕ መሪጽና

ስቕ፡ እወ መሳርያ እዩ ኣብ ዝግብኦ
ጊዜኡ ፈሊጥካ ‘ተእትዎ ‘ተውጽኦ
ከም ጸባ ሓደው ተፍልሖ ሓደው ተርግኦ
ስቕ ተሃንዲዱ ንዝመጸ ይኽእል ከህድኦ
ከዝሕሎ ይኸል ከረድኦ
አብ ዘድሊ: ስቕ ይህልዎ ዓቢ አስተዋጽኦ
ቀጻሊ ከም ውጥን ግና፡ ክቑጸር ይኽእል ዳርጋ ተዋስኦ

ኣብ ምስሕሓብ ዶብ ስቕ መሪጽና
ኣብ ምስጓግ ዜጋታት ስቕ መሪጽና
ኣብ ስደት ዜጋታት ስቕ መሪጽና
ኣብ ክሲ ወዲ ክሲ ስቕ መሪጽና
ኣብ ውግእ ኣብ ሞት ስቕ ኢልና
አብ ክሲ ወንጀል ስቕ መሪጽና
ስቕ መሪጽና ኣብ ወዘተረፈ
ነገር ተኣከበ ከደ ተኣፈፈ

ዓለም ትዝወር ብዘረባ
ብዙሕ ሕብሩ ከም ዕንባባ
አብ ውሽጢ ገዛ ኮነ አብ አኼባ
አብ ሃገር ኮነ ዓለም-ለኸ አብ ዞባ

አብ መንጎ ዜጋታት ብዲሞክራሲ
አብ መንጎ ሃገራት ብዲፕሎማሲ
ን(ጻዕሪ)ጸዓት መመሓላለፊ ከም ነሃሲ

ዘረባ መበገሲ
ዘረባ መቃለሲ
ዘረባ ካብ ረስኒ መምለሲ
ስቕ መጠራጠሪ መካሰሲ

ስቕ ዝበለ ኩሉ ይለግቦ
ዝወጠኖ ዝሓሰቦ ዘይሓሰቦ
ዝደርበዮ ዝወደዮ ዘይተጎልበቦ
ስቕ ምስ ከእለት አይቁጸር፡ አይተውህቦ

ዓላማ፡ መምረሒ፡ ስርዓተ-ምሕደራ
ኣብ ስቕ ክህልዎም ኣይክእልን እንኮ ስፍራ
ብግልጺ ክዝረቡ ይግብኦም ከም ዘይነጽፍ ዛራ

ኩሉ እንተ-ዘይቀሪቡ ብግልጺ ብድምጺ
ሃገር ትኸውን ሕብእቲ ዝተነፍገት ቅርጺ
ዜጋ ይኸውን ዝዛረብ ብጎንጺ

ስቕታ ግድን ክዛረብ ኣለዎ
ከድምጽ ትሕዝቶ ከምዘለዎ

ሃይለ ሰ.

ንበያን ነጋሽ ይብጽሓዮ ምስጋና
ነዛ ሓሳብ ብሓንሳብ ዘልዓልና

Negarit 229: Peaceful Coexistence
Negarit 230: Campaigns of Brigades

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services