Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ሕሩይ ተ. ባይሩ: ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

Awate Team
February 6, 2009

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ሰራዊት

ዲክታቶር ኢሳያስ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ኲናት ናብ ኲናት ካብ ዝድጒሎ እንሆ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፎም፣ ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ሕቡራት መንግስትታትይፋጠጥ ኣሎ፣ ንውግኣት ክዌትን ዒራቕን ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ርኢና። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት “ግደፍ ! ወይ ተመለስ !” ዝብል ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣ ካልእ ግንዛበ ዘድልዮ ነጥቢ ድማ ንጉዳይ ዶብ ኣልዒሎም ክሳዕ ውሳነ ዘብጽሑ  ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ምፍላጥ እዩ፣ እቶም ንጉዳይ ዶብ ኣልዒሎም ብመልክዕ ውሳነ ክጸድቕ ዝደፍኡ ፈረንሳን ኣመሪካን ምዃኖም ክግመት ይከኣል፣

ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብቐዳማይ ደረጃ ነቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ጅቡቲ ጻሕቲርዎ ዘሎ ሓዊ ንምጥፋእ  ጥራይ ዝዓለመ ኣይኰነን፤ እቲ ውሳነ ንሓለዋ ገዘፍቲ ጥቕምታት ሃያላን ሃገራት ዝዓለመ እዩ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ቊጥባዊ ቊልቁሎት ተንሽታትሕ ዘላ ኩዕሶ ዓለም። መተሓላለፊ ፔትሮልን ዓለመለኻዊ ንግድን ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ብነኣሽቱ ከም ኢሳያስ ሸፋቱ ክኽተሩ ኣይፈቕዱን እዮም፣ ርእይቶ ሀገራት ምዕራብ። ቀይሕ ባሕሪ ካብ ህልዊ መለኽቲ ኤርትራን ሱዳንን ክላቐቕ ኣለዎ ዝብል ይመስል፣

መለኽቲ ሰዳምን ኢሳያስን ብመልክዕ ጥራይ ኣይኰኑን ዝመሳሰሉ፤ ብእከይነቶም ከይተረፋ ማናቱ እዮም፣ ከምቲ ሰዳም ክልተ ሳዕ ንሕቡራት መንግስትታት ክሳዕ መወዳእታ ደቒቕ ብምትህልላኽ ንሃገሩ ኣብ ውግእ ዘእተወ፤ ከምኡ እውን ዲክታቶር ኢሳያስ ንሃገርና ኣብ ጸድፊ ኲናት ክደፍእ ይቀራረብ ከም ዘሎ ምስትውዓል የድሊ፣    

እንተኣይ ደኣ ይገበር? ህልዊ ኩነት ሕጋውነትን ሓይልን ይጠልብ፣ ሓይሊ ክንብል ከሎና ግደ ሰራዊት ማለትና እዩ፤ ሕጋውነት ክንብል ከሎና ድማ ብምኒስተር ምክልኻል ዝተማእከለ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ማለትና እዩ፣ ንሕና ከምተቓወምትን ሃገራውያንን ዕልዋ ይገበር ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ስጒምትታት ይወሰዱ ኣይንብልን፣ እዚ ስራሕ ተቓወምቲ ኣይኰነን፤ ስራሕና ንዲክታቶርነት ብደሞክራሲ ምእንቲ ክትካእ ምቅላስ እዩ፣ ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ሕጋዊ ስጒምቲ ይወሰድ ግን ንብል፣ ዲክታቶር ኢሳያስ ንውሳነ ሕቡራት መንግስትታት ምስ ዝነጽግ ወይ ድማ ጸማም እዝኒ ምስ ዝህብ እንታይ ይገበር? ነዚ ዝስዕብ ስጒምቲ ኣብ ግምት ከተእትዉ ንጥይቕ፦

ምኒስተር ምክልኻል ንላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ፣ በዚ መሰሉ ተጠቒሙ ንላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ብዛዕባ ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት መርገጽ ክወስዱ ክጥይቕ ስልጣኑ ይፈቕደሉ እዩ፣ እቲ መርገጽ ምኽባር ውሳነ ሕቡራት መንግስትታት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፣ ካብኡ መርገጽ ሰራዊት ኤርትራ ብመልክዕ መዘክር ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት ይውሃብ፤ ንዓለመለኻዊ ማሕበረሰብ ድማ ብመልክዕ ኣዋጅ ይግለጽ፣ ካብኡ ንንየው ብዲክታቶር ኤርትራ ዝግበር ምጒብዕባዕ ኣብ እዝኒ ሕቡራት መንግስትታት ኣይስቈርን እዩ፣ ብተወሳኺ ድማ ዲክታቶር ምስ መላእ ሰራዊት ኤርትራ ብግልጺ ምፍታሑ ኣይተርፎን እዩ፣ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ ፈሪሕካ ንሃገር ምርሕራሕ ክሕደተሃገር ከይከውን ምሕሳብ የድሊ፣

ተቛወምቲ ሓይልታ ጸላእቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣይኰኑን፣ ኣብዚ ሃገርና ትርከበሉ ዘላ መድረኽ ሰራዊት ኤርትራ ከይተሰከፈ ካብ ተቓወምቲ ምትሕብባር ክጥይቕ ከም ዝኽእል ምርዳእ የድሊ፣

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !
ደሞክራስያዊ ምርጻ ሕጂ !
ሰላም ምስ ጐረባብትና ሕጂ !

ሕሩይ ተ. ባይሩ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

www.strategyadi.com

Eritrea Slouching Towards Another Confrontation
مجلس إبراهيم مختار* نحو سلام عادل ومستدام * العهد الإرتري

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services