Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ቃለ-መሓትት ዓዋተ ዶት ኮም ምስ ዶክቶር ቫን ራይሰን ዳይረክተር AT

Awate Team
November 21, 2009

ብዓዋተ – ሕዳር 23, 2009 

ገዳብ ዜና ናይ ዓዋተ.ኮም ወረ ከማዕብል ከሎ ካብ ኩሉ ጎድንታት ሓበሬታታት እዩ ዝእክብ። ናይ ብራስለስ ዋዕላ ዜና ክንከታተል ምስ ጀመርና ‘ውን ንዶክቶር ቫን ራይሰን፡ ዳይረክተር ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኸርቲ (EEPA) ክንራኸባ ፈቲንና። ግን ክሳዕ ‘ቲ ዜና ዝወጽእ ክትምልሰልና ኣይከኣለትን። እዚ እነቕርቦ ዘለና ምክትታል እዚ ንስለ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ‘ዩ።  

ብጉዳይ EEPA

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡ EEPA መትእኽኻ ክኢላታት  ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ጉዳይ ዋዕላን ኣዳለውቲ’ዮም። ብዙሕ ጊዜ ክኢላታት እንዳዓደምና ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ወይ ዋዕላ ክመጹ ነዳሉ ኢና። ንሕና እኩባት ክኢላታት ኣብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ  ከም እንዋሳእ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንክህልዉ ዝኽእሉ ናይ ፖሊሲ ሕቶታትን ርእይቶታት ንምድህሳስን ኢና ኣዳሊናዮ።

ነዚ ዋዕላ መን መዊልዎ

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡ ነዚ ዋዕላ ‘ዚ EEPA‘ዩ መዊልዎ። ካብ ኤውሮጳዊ ኮሙሽን ምትእትታው ኣይነበረን። ኣብዚ ጉዳይ ቂር ዘብል ገለ ጉጉይ ሓበሬታ ነይሩ። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተገብረ ናይ ሓገዝ ምትእትታው ኣይነበረን፡ ነዚ ብዝምልከት ዝነበረ ሓበሬታት ጉጉይ ኢዩ። EEPA ነጻ ዝኾነ ድርጅት ካብ ኤውሮጳዊ ኮሙሽን ወይ ካብ ዝኾነት ትኹን ትካል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይቕበል ኢዩ። ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እውን ኣይተመወለን። እኳድኣ ውሑድ ሓገዝ ስለዝነበረ መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ ንመሳተፊኦም ብከፊል ወይ ብምሉእ ክሽፍንዎ እንከለዉ፡ ንመግቦም ‘ውን ብርግጽ ባዕሎመ’ዮም ከፊሎም። 

ምክትታል ብዓዋተ.ኮም፡ ናይ Indian Ocean Newsletter, (ION) ሓበሬታ ከም ዘይቅኑዕዶ ተብልዮ? [ION ንEEPA ብኣካል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ኤውሮኤይድ (EuropeAid) ዝባሃል ትካል ከምዝተመወለ ሓቢሩ ስለ ዝነበረ]።

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡ እወ ሓበሬታኦም ዘይቅኑዕ ኢዩ። ኤውሮኤይድ (EuropeAid) ነዚ ዋዕላ’ዚ ኣይመወሎን ከምኡ’ውን ኣየበገሶን። እዚ ዋዕላ ብምሉኡ ናትና ናይ ባዕልና (EEPA) ተበግሶ ኢዩ።

[ምክትታል ብዓዋተ.ኮም፡ ካብ ፍራንሲስ ሶለር (Francis Soler) ሓላፊ ናይ ION መብርሂ ጠሊብና ነርና። መልሲ ፍራንሲስ፡ “ምስ ዝሓበርኒ ምንጪ ተወኪሰ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ከፍልጠኩም ኢየ ኢሉ።”]

ናይ ኣመራርጻ መምዘኒ ፡ 

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ናይ ዋዕላ ሓደ ኣሰታትፋ ምውሳን ኢድ ኣይነበሮን። ዕላውያን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ኤውሮጳዊ ኮሙሽን ይኹን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (EU, EC or USA) ንባዕሎም ዕዱማት ኢዮም ነይሮም። እቲ ብኤርትራዊ ኪዳን ናብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ባሮሶ ዝተላእከ ቅሉዕ ደብዳቤ ሓጋዚ ብዘይምንባሩ ፍሉጥ’ዩ፡ ይኹን እምበር ካብ ዘይምርድዳኣት ዝነቀለ ክኽውን ስለዝኽእል ክጻረ ይካኣል ‘ዩ። ነዚ ዋዕላ EEPA ከም መምዘኒ ዘቐመጦ ነጥብታት፡ ዝተወከላ ውድባት፡ ንለውጢ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጣበቕቲ ናይ ብዘይ ጎነጻዊ ኣገባብ ዝኣምናን፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ መንግስታት ዘይምወላ ክኾና ኣለወን ዝብል ኮይኑ፡ ተጣበቕቲ ናይ ብጎነጽ ዝመጽእ ላውጢ ዘይአምናን ወይ ንወተሃደራዊ መፍትሒ ዝጣበቃ ክኾና የብለንን።[ኣትኵሮ ተወሲኽዎ]።

ጉዳይ ኤዲኪ (EDA):

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡ ንኤዲኪ ዘይዓደምናዮም ኣይኮነን፡ እታይ ዳኣ፡ ግን እቶም ተኻፈልቲ ብውልቃዊ ዓቕሞም ኢዮም ዝሳተፉ ነይሮም። እንተዘይ ተጋግየ፡ ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ንነብሶም ከም ኣባላት ኤዲከ እዮም ዝሓስብዋ ይመስላኒ።

ዓዋተ.ኮም፡ ኩሎም ኣባላት ኤዲኪ ብናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ መንግስታት ስለ ዝድገፉ፡ ከምኡ’ውን ዕጡቓት ኣሃዱታት ስላ ዘለዎም፡ ኣብ መርገጽ ናይ EEPA ዝዋቓዕ መርገጽ ኣለኹ ‘ንተበልኩ ተጋግየዶ ‘አሎኹ? ወይ ክርድኦ ዘለኒ፡ ተሳተፍቲ ብውልቃዊ ደረጃ እንተተኻፊሎም EEPA ነቲ ዝኽተሎ መምዘኒ ሸለል ይብሎ ማለት ‘ዩ?

ዶክቶር ቫን ራይሰን፡  ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልስ ቅድም ክንጸር ኣለዎ። ኣብዚ ሸንኽ’ዚ እቲ ብፍላይ ዝገርመኒ፡ “ኵሎም ኣባላት ኤዲኪ ብመንግስታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕገዙ እሞ ዕጡቓት ኣሃዱታት ዘለውዎም” ዝበልካዮ ጭብጢ ድዩ ድዩ ኵሎም ኣባላት ኤዲኪ ድዮም…….?

ክትፈልጥዎም ከም እትኽእሉ “ናይ ውከሳ ጉጅለ” ናይ EEPA (እቲ ቀንዲ ሽሞም “ናይ ውከሳ ጉጅለ” ድኣምበር “ታስክ ፎርስ” ኣይኮነን) አባላት NECS ዘለዎ ‘ዩ። እዚ “ናይ ውከሳ ጉጅለ” ካብ ዘይጥርኑፋት ሰባት ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዘይኮኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመት ምስ EEPA ዝነጠፈ ‘ዮ።

ብጉዳይ ሓድሽ ኣኤርትራዊ “ታስክ ፎርስ” ነቲ ንነዊሕ እዋን ተመስሪቱ ዝጸንሔ ምትእስሳር ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት (the Network of the Eritrean Civil Society (NECS)), ምስ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ናይ ምስራሕ ተመኩሮ ዘለዎ ንምትካእ ዝምልከት።

General Sebhat Ephrem’s Schedule Fuels Speculation In Asmara
EEPA’s Director Discloses What The Eritrean “Task Force” Wouldn’t: The Selection Criteria

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services