Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ምልክታ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ለንደን ዘካየዶ ዘተ

Awate Team
June 16, 2011

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ልኡኻት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮደለ) ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤI) ሰሉስ ሰነ 14, 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርኻቦም ሕጂ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም ኣለዉ። ሃገራዊ ዋዕላን፡ ዋዕላ ዝፈጠሮ ትካላትን ብሓደ ወገን፡ ብመንጽሩ ከኣ ኣብ መንጎ ሰደህኤን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤደኪን) ዝሰዓበ ናይ ኣተራጓጕማ ፍልልያትን ስዒቡ ዝማዕበለ ግርጭታትን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ኢዱ ከየእተወ ነጻ ኮይኑ ክቕጽል ናይ ግድን ነበሮ። ሰደህኤ ብድሕሪ ሓደ ክፋሉ ናብ ሃገራዊ ኮምሽን ምእታዉን፡ ካብ ኢደኪ ምስሓቡን ግን ኣብ መጋቢት 15, 2011 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኮምሽን ንኩለን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ፖለቲካውን ሲቪካውን ውድባት ንምርካብ ውሳኔ ስለ ዘሕለፈ ብቐጥታ ርኽክባት ካብ ዝጅመር ኣስታት 2 ኣዋርሕ ኮይኑዎ’ሎ። ነቲ ዝተጀመረ ጉዕዞ ጭቡጥ ንምግባር ከኣ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ክልተ ኣባላት ኮምሽን ዝኾኑ ወ/ሮ ዓይሻ ሙሳ ገዓስን፡ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይን ዝሓዘ ልኡኽ ምስ ኣቦ መንበር ወልደየሱስ ዓማርን፡ ኣቶ ተስፋይ ወልሚካኤልን፡ ኣቶ ኣሰፋው በርሀን ዝርከብሉ ልኡኽ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ተራኺብና፣

1.  መበገሲ ጻውዒትና ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ (ህዝብና) ብሓባር ተጋቢኡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ተዋሲኡ፡ ብልዑል ድሌት ህዝቢ ተማእዚዙ ክነብር ከምዝግብኦ መሰረታዊ እምነትና ምዃኑ ገሊጽና

2.  ንጽቡቕ ድሌታት ክልቲኡ ሸነኻት ኣመልኪትና ወሲድናዮ ዘሎና ታሪኻዊ ተበግሶ ጠቒስና ኣመስጊና

3.  ዕማምን ሸቶን ነጻነትን ጊዜያውነትን ተለኣኽነትን ተማእዛዝነትን ናይ’ዚ ኮምሽን ኣብሪህና

4.  ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ ዝጠልቦ ናይ ሰፊሕ ሕብረተሰብና ሓድነትን ብዙሕነትን ምስ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ከኣ ህጹጽነትን ኣድላይነትን ናይ ተልእኾና ገሊጽና

5.  ንዝቐረበልና ሕቶታት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ዘድሊ መልስታትን መብርህታትን ሂብና

6.  ካብ ዝቐረቡልና ብዙሓት ርእይቶታን ትንተናታትን መሰረትን ሓቅታትን ከምዘይብሎም ኣስሚርና  

7.   ብዘይካ እቲ ንኹሉ ውልቀሰባትን ውድባትን ዝግባእ ናይ ምስታፍ መሰል ምግላጽ ካልእ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ተንታን ኣዎንታዊ ከምዘይከውንን፡ እንተተደልዩ ግን ሰነዳትና ከነቕርብ ድሉዋት ምዃናን ሓቢርና።

ዝርዝር ውጽኢት ዘተና ብመደብ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ንህዝቢ ከነብርህ ድሉዋት ምዃናን፡ ዕላማ ኮምሽን ከኣ ህዝቢ ምጥርናፍን ምሕብሓብን ደኣ’ምበር ምግላልን ምውጋንን ከምዘይኮነ ኣናገልጽና፡ ዘተና ባህጊ ህዝብና ዘርዊ፡ ንያት ደላይ ሰላምን ስኒትን ዘዕግብ ክኸውን ብዙሕ ጻዕርን ጊዜን ከምዘድልየና ብምእማን ንቀጻሊ ርኽባት ማዕጾ ክፉት ገዲፍና ኣኼባና ደምዲምና።

ልኡኽ ዘተ ኤሃኮደለ
ለንደን ሰነ 15, 2011

 

ናብ ኩላቶም ኤርትራውያን፡ ብዝያዳ ድማ ናብ ምእመናን ካቶሊካውያን፡ ዝቐርብ ህጹጽ መጸዋዕታ
Eritrean Traditional Fairies

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services