Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ተፈጥሮ እውን’ዶ ፖለቲካ?

Awate Team
June 28, 2011

ብሰሎሞን ኣበራ

ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ሓራ ወጺኤ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ድሕሪ ሓደ ዓመት’ዩ ነይሩ፡ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብዛ ዝነብረላ ሃገረ ጀርመን ዝተኻየደሉ፡ ክራማት 2006።

ሓደ ኣጋምሸት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሓበሻ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ማእከላይ መደበር ባቡር (hauptbahnhof) ብእግረይ እናተጓዓዝኩ፡ “እዚ ደኣ እቲ ጋዜጠኛ ድዩ፧’’ ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰማዕኩ፡ ጉዕዞይ ኣየሰናኸልኩን። “…..ኣንታ ሓወይ…..ስምዓኒ’ሞ….መን ኢኻ…ሰሎሞን….” ዝብል ጻውዒት ምስሰዓበ ግን፡ ስጉመይ ገቲኤ ቁሊሕ ክብል ግድን ነይሩ። እታ ዝጸወዓትኒ ሓብቲ፡ ሓንቲ ብግምት ኣብ ሓሙሳታት እትርከብ ኮይና፡ ምስኣ ከኣ ደቂ ሰላሳታት ዝመስላ ክልተ ኣሓት ነበራ።

“…..ሰላም እዚ ሓወይ…ሓቀይ ንስኻ ሰሎሞን ዲኻ፧…” ተወከሰትኒ እታ ዝጸውዓትኒ።

“….እወ…እዛ ሓብተይ…” መለስኩላ።

“ከመይ ኣለኻ፧”

“እግዚኣብሄር ይመስገን ጽቡቕ ኣለኹ። ንስኻትክን’ከ ከመይ ትኾና፧”

“ደሓን ኢና። ናብ’ዚ ምምጻእካ እኳ ሰሚዕና፡ ኣብ’ታ ካብ ኦፈንባኽ እትፍኖ መስትያት እትበሃል ናይ’ቶም ዝቃወሙ ተለቪዥን እውን ቃለመጠይቕ ክትገብር ርኢናካ። ኣብ ኢንተርነት እውን ወጺእካ ኔርካ’’ ኣስዓበትለይ።

“እወ ጽቡቕ ኣለኺ።”

“ደው ደኣ ከየብለካ እምበር ሓደ ነገር’ዶ ክዛረበካ ትፈቕደለይ፧”

ዋላ’ኳ ተሃዊኸ እንተነበርኩ፡ ረጊጸያ ኪኸይድ ግን ሕልናይ ኣይፈቐደለይን። “ሕራይ ቀጽሊ” ድማ በልክዋ።

ክልቴና እናተዘራረብና፡ እተን ሰማዕቲ ጥራይ ዝነበራ ኣሓት፡ ብዓይኒ ስክፍታ ክርእያና ድሕሪ ምጽናሕ

“ኣንቲ በጃኺ እንዶ ግደፊዮ እንታይ ገበረኪ፧….ወደይ ይቕሬታ ሰሌ ስቕ ኢላ ኢያ እዚኣ…..” እኳ እንተበላ፡ ጓልያቱ ግን ነታ ፈለማ ሰላም ክትብለኒ ዝጨበጠታ ኢደይ ከይፈነወት ዘረበኣ ቀጸለት።

“ስማዕ እንዶ ሰሎሞን ግዜ ከየጥፍኣልካ ከሕጽረልካ፡፡ ንስኻ ከም ሰብካ ኣብ ድሌትካ ክትነብር ናትካ ውሳነ ኢዩ። እንተኾነ ሃገር ሃገርካ፤ መንግስቲ መንግስትኻ ክትውቅስ ግን…..።” ክትብል ለበዋ ዝመስል ርእይቶኣ ድሕሪ ምፍሳስ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።

“እወ ሃገርሲ ሃገረይ፡ እንተ መንግስቲ ግን መንግስተይ ኪኸውን ግድን ኣይኮነን።” መለስኩላ።

“ኢሂ ደኣ መንግስትኻ ዘይከውን፧”

“ስለዘይመረጽክዎ።”

እተን ክልተ መሳንይታ ክስሕቃ እንከለዋ፡ ንሳ ግን ብነድሪ ከተስተንፍስ ተዓዘብክዋ። ምሕራቓ ኣይጠፍኣንን።

“ደሓን ናይዞም ኣብዚ ጸጸኒሖም ሰብ ዘጋግዩ ፍልስፍና’ሞ ግደፎ። መፍቶ ፈተውቲ ጸላእቲ ክንከውን ግን ግቡእ ኣይኮነን። ከብዲ’ኮ ካልእ ጸይሩ ኢዩ ዝኸይድ።” ብዝብል ህግደፋዊ ሸፈጥ ክትዓጥነኒ ድማ ሃቀነት።

“እሞ ዝብኢ እግረይ እናቖርጠመኒ፡ ‘ደሓን ስቕ በሉ፡ እቲ ዝብኢ ከይሰምዓና’ ዘይበልኩ ድዩ፧” ሓተትክዋ።

“ኣነ ከምኡ ማለትይ ኣይኮንኩን። ሕሰቦ’ሞ ሃገርና ድኽነትን ጸገምን ክህልዋ ይኽእል፡ እንተ ካልእ ማልእ ግን የብላን። ትርእያ ኣለኻ እዛ ዓለም፡ ገሊኣ ብሱናሚ፤ ገሊኣ ብህቦብላ፤ ገሊኣ ብእሳተ ጎሞራ፤ ገሊኣ ብምንቅጥቃጥ፤ ገሊኣ ብባርዕ፡ ከመይ ተቕለሉ ኣላ፧ እንተ ኣብ ዓድና ግን ካልእሲ ይትረፍ እዝን ወዲ ከምዝን እኳ የብልናን።” ዝብል መስደመም ዘረባ ምስፈነወትለይ፤

“…..ኣሃ…..ሳላ መንግስትና ሙሽ….!፧” በልክዋ ብዳእላ።

ሽዑ እውን እተን መሳንይታ፡ ገለ ሓለፍቲ መንገዲ ክሳብ ቁሊሕ ዝብሉ ብዓውታ ክስሕቃ እንከለዋ፤ እንተ መዓዲተይ ግን፡ ብሓውሲ ስንባደ ነታ ነዊሕ ዝሓዘታ ኢደይ ፈነወታ።

ዘረባን እምነትን ናይ’ታ ሓብትና ከምዝእምቶ፡ ህግደፍ ንተፈጥሮ እውን ክመልኽ ዝኽእል ክምህ ዘይብል ልዕለ-ሓያል (super power) ገይሮም ዝጥምትዎ ገርሀኛታት ዘይሰኣኑ ምዃኖም ኢዩ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንነብሱ ዝህቦ ዓርሞሾሻዊ ምስሊ ዝብገስ ከይኮነ ኣይተርፍን። ነዚ ጽውጽዋያዊ ምስሉ ንምንጽብራቕ ኢዩ ድማ፡ ጥር ኢሉ ንሓራምዝ ክዝልፍን ክጸርፍን ዝስማዕ። ምናልባት እውን እዚ ሕልማዊ ምስሉ ከይሃስሶ ይኸውን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ሃገርና ዘጓነፈ’ሞ ብዓለሙ ዝተዛረበሉ እሳተ ጎሞራን ምንቅጥቃጥን ብዓውታ መግለጺ ምውጽእ ኣሕኒኽዎስ ወሰንወሰን ክብል ዝቐነየ። ኣብ መዝገበ ቃላት ህግደፍ ተፈጥሮኣዊ ተረኽቦ እውን ክስተር ዝግብኦ ፖለቲካ ኢዩ። ምናልባት እውን ብዝምልከቶም ዓለማዊ ትካላት ብዛዕባቲ ተረኽቦ እንተተሓቲቱ፡ “እንታይ ኣእትዩኩም እዚ’ኮ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዩ። ባዕልና ኣሎናዮ” ይብል ይኸውን። ይስተረና። 

Eritrean Regime’s Narrative Runs Into The Wall Of Reality
Behind The Eritrean Regime’s Panicked Reaction

Latest News

  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026
  • PM Abiy, Teddy Afro, and the Politics of ArtApril 24, 2026
  • Eritrea’s Ghost BureaucracyApril 24, 2026
  • The Anatomy of State Failure in EritreaApril 21, 2026
  • Protocol, Power, Policy, and the Urgent Need for InstitutionsApril 19, 2026
  • The Elephant in the RoomApril 15, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (751)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (322)
  • Pencil (112)
  • Perspective (101)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (306)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (310)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services